Find Posts By Topic

ህጹጽ ኩነት ናይ ድኳናት ቅብሊታት፡ ተደጋጋሚ ዝሕተት ሕቶታት

(ሚያዝያ 30, 2021)

እቲ ናይ ህጹጽ ኩነት ናይ ድኳናት ቅብሊት ፕሮግራም ብሚያዝያ 30, 2021 ኣብቂዑ። ኣብ’ዚ መልሲታት ናይ ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት ይርከቡ።

ንምንታይ እዩ እዚ ናይ ህጹጽ ኩነት ናይ ድኳናት ቅብሊት ፕሮግራም ኣብቂዑ?

ብሰንኪ ሕጽረት ናይ ምወላ፣ እቲ ናይ ህጹፅ ናይ ሃለኽቲ ነገራት ሓገዝ ነቶም ብቑዓት ዝኾኑን ዝተመዝገቡን ኣባላት ስድራቤት ጥራይ ኢዩ ዝምልከት፡ እዚ ድማ ክሳብ ሸውዓተ ወርሒ ክቕጽል ይኽእል። ካብ ሚያዝያ 30, 2021 ንድሓር፣ ኩሎም ተቐበልቲ ነቲ ናይ ጥቕሚ ግዚኦም ክውድኡ ኮይኖም፣ ኩሉ ነዚ ፕሮግራም ዝኸውን ምወላ ድማ ክመቓራሕ እዩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ዋጋ $180 ካርድ ተቐቢለ ነይረ – በዚ ካርድ ዝርከቡ ኩሎም ጥቕምታት ክሓሩ ድዮም?

ኣይፋል፣ ኣብ’ቲ ካርድ ዝርከብ ገንዘብ ኣይሓርርን እዩ። ኮይኑ ግና ዝጠፍአ ወይ ዝተሰርቀ ካርድ ኣይንትክእን ኢና። ካልኦት ኣገደስቲ ነጥብታት ብዛዕባ ካርድኻ፥

  • እዚ ካርዲ ንጡፍ እዩ ንክትጥቀመሉ ድማ ድሉው እዩ።
  • እዚ ካርድ ኣብ ሴፍዌይ/Safeway ከምኡ’ውን ኣልበርሰንስ/Albertsons ድኳናት ምጥቃም ይከኣል።
  • እዚ ካርድ ዓይነታት መግቢ፣ ኣቑሑ ገዛ ከምኡ’ውን ናይ ውልቂ ኣቑሑት ንምግዛእ የኽእል።
  • ካርዲታት ንጥረ ገንዘብ ወይ ክሬዲት መተካእታ ኣይውዕሉን እዮም።  
  • በዚ ካርድ ክዕደጉ ዘይክእሉ ነገራት ኣልኮል፣ ትምባኾ፣ ሎተሪ፣ ካልኦት ጊፍት ካርድታት ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት ኣብ ኣገልግሎት ዓማዊል ጣብያ እዮም። ካርዲ ብቅጽበት (ኣውቶማቲክ) ናብ ፍቓድ ዘለዎን ፍቓድ ዘይብሉን ምህርቲ ተባሂሉ ኣብ ውሽጢ እቲ ዕድጊ ናብ ክልተ ይኽፈል፣ ስለዚ ነቲ ኣብ ቻርዲ ዝተረፈ ገንዘብ ነዞም ኣቕዑት ንምዕዳግ ኣይጠቅምን።
  • ናይ ዕድጊ ኣከፋፍላ ኣገባብካ ኣብ ናይ ሓደ ጊዜ ዕድጊ ከተጣምሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ’ቲ ፕሮግራም ተመዝጊበ ነይረ፣ ግን ከኣ ኩሎም ናባይ ዝተለኣኹ ቅብሊታት/ካርድታት ኣይበጽሑኒን።

ዝጠፍአ ወይ ስተሰርቀ ቅብሊታት/ካርድታት ኣይንትክእን ኢና።

ቅብሊታትን ካርድታትን ብመንገዲ ቀዳማይ ደረጃ USPS ኣገልግሎት ፖስታ ናብ ኣብ ምዝገባ ዝተወሃበ ኣድራሻ ናይ ብቑዓትን ምዝጉባትን ተቐበልቲ ወይ ድማ እንተተዋሂቡ ናብ ዝተሓደሰ ኣድራሻ ፓስታ እዮም ተሰዲዶም። እቶም ዋጋ $180 ካርድታት መጨረሽታ ዝተዘርግሕሉ ዕለት መጋቢት 25፣ 2021 ነይሩ። ኣብ መላእ ወርሒ ሚያዝያ ንዝኾነ ናብ’ቲ ከተም ምሕደራ ከም ተረካቢ ዘይረኸቡ መልእኽታት ፖስታ ዝተመለሱ ካርድታት ንከታተል ነይርና፣ ከምኡ ድማ ብመሰረት ናይ ምላሽ ፖሊሲታትና እንደገና ክንሰዶም ኩሉ ፈተናታት ኣካይድና ኢና።  ካብ ሚያዝያ 30, 2021 ንደሓር ግና ዝተመልሱ ካርድታት ኣይንቅበልን ወይ’ውን እንደገና ኣይንሰድድን ኢና።

ኣብ መጋቢት 2021, ሓደ ሓድሽ ፈደራላዊ ናይ ኮቪድ-19 ደገፍ ጥርኑፍ ባጀት ጸዲቑ።  እዚ ካልኣይ ናይ ህጹጽ ኩነት ናይ ድኳናት ቅብሊት ፕሮግራም ክህሉ እዩ ማለት ድዩ?

ምስ ምጽዳቕ ናይ’ዚ ሓድሽ ናይ ኮቪድ-19 ደገፍ ጥርኑፍ ባጀት(እቲ ኣመሪካዊ ድሕነት ውጥን)፣ ቤት-ጽሕፈት ከንቲባን ናይ ከተማ ባጀትን ምስ ቆንስላዊ ማእከላይ ስታፍ፣ ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንትን ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ ፋይናንስን ብምውህሃድ፣ ቀዳምነት ክወሃቦም ዘለዎም ከባቢኣዊ ወፍሪታት ንምልላይ ኣብ’ዚ እዋን ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለዉ። ናይ ከተማ ባጀት ተመራመርቲ ከምኡ’ውን ቤት-ጽሕፈት ናይ ውሽጢ መንግስታዊ ርክባት መታን እንታይ ዓይነት ፈደራላዊ ደገፍ ከምዝርከብ፣ ነዚ ደገፍ ንምርካብ መነመን ብቕዓት ከምዘለዎምን ኣብ’ቶም ተገልገልቲ ክህልው ዝኽእል ጋግ ኣበይ ምዃኑ ንምርኣይ፣ ኣብ መስርሕ ዳግማይ ክለሳ ናይ’ቲ ደገፍ ጥርኑፍ ባጀት እዮም ዘለዉ። ከም እቲ ናይ ድኳናት ቅብሊት ፕሮግራም ቀጻሊ ጠለብ ናይ ቀጥታዊ ሓገዝ ከምዘሎ ከምኡ’ውን ነዚ ጠለብ ምምላእ ቀዳምነት ዝስራዕ ውጥን ናይ ኮማዊ መሻርኽቲን ተቐማጦን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ተኽእሎ ናይ ወፍሪ ቀዳምነታት ክነናዲ ከለና፣ ናይ ከተማ ስታፍ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዉዎ እዮም። 

ናይ መግቢ ሓገዝ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን የድልየኒ ኣሎ- እንታይ ዓይነት ምንጪታት ሓገዝ ኣለዉ?

እዚ ኮቪድ-19: ምንጭታት ንኮም ገጽ ዘጠቓልሎ ሓበሬታን ናይ ዌብ መራኸቢ ሊንክታት ን ከተማ ሲያትል፣ ኪንግ ካውንቲ፣ ሃገረ ዋሺንግተን፣ ፈደራል ከምኡ’ውን ኮማዊ ፕሮግራማትን ብለበዳ ኮቪድ-19 ብጽንኩር ዝተጸልዉ ተቐማጦ ዝሕግዙ ኣገልግሎታትን። ገለ ካብ’ቶም ዝጠቓለሉ ናይ መግቢ ፕሮግራማትን ኣገልግሎታትን፥

  • ዋሺንግተን ኮነክሽን ስድራቤታትን ውልቀሰባትን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ከም መግቢ፣ ገንዘብ፣ ክንክን ህጻናት፣ ናይ ነዊሕ እዋን ክንክን ከምኡ’ውን ሜዲኬር ሴቪንስ ፕሮግራማት ንምርካብ ዝሕግዝ ስሉጥን ቀሊል መንገዲ ይህብ። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ይርከብ
  • ተሰታፎኣዊ ካርታን ዝርዝር ሊስታ ናይ መግቢ ባንክታት፣ ናይ መኣዲ ቦታታን ናይ ተምሃሮ ዝኸይድ መግቢን። ኣብ’ዚ ጽቐጥ  ነዚ ምንጪ ንምፍታሽ።
  • ነጻን ዝሓሰረ ዋጋ ምሳሕ ካብ ሲያትል ህዝባዊ ቤት-ትምህርታት። ዝያዳ ንምፍላጥን ንምምልካትን ኣብ’ዚ ተመልከት
  • ኣብ ነጻን ዝሓሰረ ዋጋ ምሳሕ ካብ ሲያትል ህዝባዊ ቤት-ትምህርታት ዝተመዝገቡ ህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት Pandemic EBT (P-EBT) ዝተባህለ ምወላ ካብ ሚያዝያ 2021 ንድሓር ክረኽቡ እዮም። ብዛዕባ ስያትል ህዝባዊ ቤት-ትምህርታት ዝያዳ ንምፍላጥ ነቲ ዌብሳይት ተመልከት ወይ ድማ ነቲ P-EBT መራኸቢ ማእከን ብ 1 (833) 518-0282 ደውል (ኣስተርጓሚ ክርከብ ይከኣል እዩ)።
  • ነጻ ንገዛ ምብጻሕ ኣገልግሎት ንመኣዲ መንእሰያት ኣብ ሃይ ፖይንት፣ ኒው ሆሊ ከምኡ’ውን ረይኒየር ቪስታ ሲያትል ንብረት ኣባይቲ ሰበስልጣን ዝቕመጡ።  ንገዛ ዝብጻሕ መኣዲ ጠለብ ንምእዛዝ፣ ነዚ ዝስዕብ ኦንላይን ፎርም ምላእ  ወይ ድማ ናብ (503) 395-7697ደውል።
  • ናይ መኣዲ ፕሮግራማት ንዓበይቲ(ዕድመ 60+) ከምኡ’ውን መኣዲ ብመኪና።  ንኮማዊ መነባብሮኣዊ ርክባት  ንምርካብ ብ 1 (844) 348-5464 (ነጻ መስመር) ብምድዋል ምስ ኣብ ሲያትልን ኪንግ ካውንቲን ዝርከቡ ኣገልግሎታት ርክብ ፍጠር።
  • እቲ ናይ ህጹጽ ኩነት ምግብና ፕሮግራም ኣቐዲሙ ዝተዓሸገ መግቢ ኣብ ቦርሳታት ንሕጽረት መግቢ ዘጋጠሞም ሰባት ይህብ። እንኮላይ ድማ ንልዕሊ 55 ዕድሚኦምን ልዕሊኡን ካብ መኪና ከይወረድካ መግቢ ክትወስደሉ ትኽእል ፕሮግራም ኣለዎም። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ይርከብ።
  • ነጻ ንገዛ ምብጻሕ ኣገልግሎት ናይ ህጹጽ ኩነት መግቢ ባኮታት ኣብ መላእ ኪንግ ካውንቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19። እዚ ኣገልግሎት ነቶም ናይ መግቢ ባንክታቶም ብኣካል ክኸዱዎም ንዘይኽእሉ ሰባትን መግቢ ምግዛእ ዘይዓቕሞም ዝኾኑ ሰባትን ዝተሓዝአ እዩ። ናይ መግቢ ባኮ ንምጥላብ፣ ነዚ ምላእ  ናይ ኦንላይን ፎርም
  • ሰሜናዊ ምዕራብ ሃርቨስት SODO ኮማዊ ዕዳጋ  ዕሹግ ሕርሻዊ ፍርያማት፣ ዝተዳለወ መግቢ ከምኡ’ውን ንነዊሕ ክኽዘኑ ዝኽእሉ ሃለኽቲ ኣብ ኣፍደገ ገዛኻ ዘብጽሕ ኣገልግሎት ይህብ። ናብ’ቲ ትካል ዘእቱ ምኽንያት/ኣድላይነት የለን። እዚ ድማ ንዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ ዕድመ ክፉት እዩ። SODO ኮማዊ ዕዳጋ ኣብ ናይ ሲያትል SODO ገዛውቲ ኣብ 1915 4th Ave S ጥቓ ኩርናዕ ናይ 4th Ave S & S Holgate St ይርከብ.
  • ግራስሩትስ ኮኣሊሽን ደቡብ ኪንግ ካውንቲን ምብራቓዊን ኮቪድ-19 ኮሮናቫይረስ ተሃባበርቲ ናይ ሓገዝ ጉጅለ ን”ካብ ሕማም ዝሓወዩ፣ ዝሓመሙን ዝሰንከሉን፣ድኹም ስርዓት ኣካላዊ ምክልኻል ዘለዎም፣ ዘይሕጋውያን፣ ጸለምቲ፣ ክዊር፣ ነበርቲ ከምኡ’ውን/ወይ’ውን ዘይጸዓዱን ናይ ግሮሰሪ ኣብ ኣፍደገ ምብጻሕ መደባት የወሃህድ ኣሎ። እቲ ናይ ጠለብ ፎርም ኣብ’ዚ ይርከብ።

ብዛዕባ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ኣገልግሎታት ዝያዳ ድማ እንኮላይ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ ኣብ ኮቪድ-19: ምንጭታት ንኮምንሕቶታትካ ብኽብረትካ ናብ ግልጋሎት ዓማዊል ቢሮ ናይ ከተማ ሲያትል ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 8:30 AM – 5:00 PM ብቴሌ (206) 684-2489 ወይ (206) 684-CITY ደውል።